ኣብ ከተማ ጋምቤላ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ጋምቤላ ህዝባዊ መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

“ካብ ተሓጋዛይነት ናብ ኣፍራይነት ንዝተማልአ ሃገራዊ ሉእላውነትን ክብሪን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ እቲ መድረኽ ዝሳለጥ ዘሎ።

ኣብቲ መድረኽ ሚኒስትር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ፣ ኣባል ፈፃሚ ስራሕ ፓርቲ ብልፅግናን ሚኒስትር ዓውዲ ህንፀት ባህሊ ዴሞክራሲን መለሰ ኣለሙ፣ ተወካሊ ርእሰ ምምሕክዳር ክልል ጋምቤላ አቶ ጁል ናንጋልን ካልኦት ኣካላትን ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም።

ኣይተ ገብረመስቀል ጫላ፥ ድሑር ኣተሓሳስባን ጎንፂን ንከይዲ ሃገራዊ ፍሪያት ዐንቅፋት ከምዝኾነ ኣብቲ መድረኽ ተዛሪቦም።

ከም ሃገር ዘጋጠሙና ኩለ መዳይ ፀገማትን ስእነት ሰላምን ንምስሳን ፍሪያት ዐንቅፋት ኮይኖም ኣለዉ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፉ 30፣ 40 ዓመታት ለዕሊ ሓደ ቢሊየን በር ብምውፃእ ስርናይ ትገዝእ ከምዝነበረት ኣዘኻኺሮም።

እቲ ታሪክ ኣብዚ ሐዚ እዋን ከምዝተቐየረ ሓቢሮም።

ብኣሸብር ካሳሁን

Comments (0)
Add Comment