ኣብ ከተማ ድባጤ ንጥፍኣት ዝውዕሉ ልዕሊ ብር 470 ሺሕን ሞባይል ካርድብ ብመሓዝ እናተንቀሳቐሱ ዝነበሩ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 21 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ድባጤ ሰለስተ ውልቀ ሰባት ንጉጅለ ጥፍኣት ዝውዕሉ ልዕሊ ብር 470 ሺሕ ከምኡ እውን ብር 26 ሺሕን 680 ሞባይል ካርድ ሒዞም ናብ ጋሊሳ ክኸዱ እንትብሉ ብሓበሬታ ሕብረተሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ዝተዋደደ ግብረ ሓይሊ መተከል ኣፍሊጡ።

እቶም ውልቀ ሰባት እቲ ገንዘብን ሞባይል ካርድን፣ ሓሙሽተ ሲም ካርድታትን ሰለስተ መእንገቻ ወታደራዊ መሳርሒታትን ሒዞም ናብ ጋሊሳ ንምኻድ እንትፍትኑ ኣብትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ ብብሄራዊ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ሓበሬታ ሕብረተሰብን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ተጠርጠርቲ ትማሊ 20 ጥሪ 2013 ዓ.ም ንጉሆ ሰዓት 4ን ፈረቓን ካብ ከተማ ቻግኒ ማብ ድባጤ ብምኻድ ኣብ ተሽከርካሪ መመላለሲ ህዝቢ እናሃለዉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፖሊስ ምክትል ኦፕሬሽን ሓላፊ ዘፈር ምክልኻል ገበን ሓጋዚ ኮሚሽነር ኢሳቅ ዓሊ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፥ ተጠርጠርቲ ናብ ጣቢያ ጋሊሳ ብምኻድ ነቲ ጉጅለ ጥፍኣት እታወት ንምቕራብ እናተቀሳቐሱ ኢዮም ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ዝወዓሉ።

ካብ ሞንጎ እቶም ተጠርጠርቲ ሓደ ብብሄራዊ መርበብ ሓበሬታን ድሕንነትን ክትትል እናተገበረሉ ከምዝነበረን ዝተረፉ ድማ ነቲ ገንዘብ እናቖፀሩ እናሃለዉ ብሓበሬታ ሕብረተሰብ ዝተተሓዙ ከምዝኾኑን ገሊፆም።

ቀዳማይ ተጠርጣሪ ብር 368 ሺሕን 40፣ ካልኣይ ብር 76 ሺሕ፣ ሳልሳይ ድማ ዝተፈላለየ መጠን ዘለዎም ብር 26 ሺሕን 680 ሞባይል ካርድ ብፍተሸ ከምዝተረኸቦም ኣብሪሆም።

እቶም ሓጋዚ ኮሚሽነር፥ ተጠርጠርቲ ጉዳዮም ኣብ ጣቢያ ፖሊስ ድባጤ እናተፃረየ ከምዝኾነ ገሊፆም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

 

Comments (0)
Add Comment