ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሓምለ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ብልዕሊ 1 ነጥቢ 2 ቢሊየን ብር ወፃኢ ዝተሃነፁ 20 ፕሮጀክትታት ልምዓት ተመሪቖም።
እቶም ፕሮጀክትታት ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ወ/ሮ ፈትያ ኣደም፣ ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ከድር ጁሃር ኢሉ ውን ኣባላትን ኣመራርሓታትን ካቢኔን ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ድሬዳዋ ኣብ ዝተረኸብሉ እዩ ዝተመረቐ፡፡
ካብ እቶም ዝተመረቑዉ ዓበይቲ ፕሮጀክትታት ልምዓት፥ ማይ ፣ ህንፀት ምርምር ካይዘን፣ ኣባይቲ ልምዓት፣ መፍረይ ሸዳት፣ “ቢንቶን” ትካላት ጥዕናን ተረቋሕቲ ኢዮም።
ሓላፊ ቢሮ ቑጠባ ልምዓት ገንዘብ ምምሕዳር ከተማ ድሬዳዋ ኣይተ ሱልጣን ኣሊዪ ትማሊ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ኣብ ከተማ 10፣ ኣብ ገፀር 10 ዝተሃነፁ ስራሕቲ መሰረተ ልምዓት ሕቶ ማሕበራዊን ቁጠባዊን ነበርቲ እቲ ከባቢ ከምዝፈትሑ ምግላፆም ይዝከር።
ብፍላይ ኣብ ዘፈር ጥዕና ንዘበናት ሕቶ ዝነበረ ሲቲ ስካን ብ40 ሚሊየን ብር ብምዕዳግ ንግልጋሎት ከምዘብቀዑ ሓቢሮም።
ኣብ ተረባሕነት ፅሩይ መስተ ማይ እውን ኣብ ምምሕዳር እታ ከተማ ዝረአ ዝነበረ ፀገም ምቁርራፅን ፅርየትን ንምፍታሕ፣ ህንፀት ፁሩይ መስተ ማይ ለገ ኦዳና ምዝዛሙ እውን ልዑል ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም፡፡
ተረባሕነት ልምዓት ሓረስታይ ንምዕባይ ዘኽእሉ ÷ ፕሮጀክት መስኖ ማይ ኣሰሊሶ ስራሕ ከምዝጅምር ድማ ተዛሪቦም፡፡
እቶም ስራሕቲ ልምዓት ኣብ 2014ን ኣብ ዝሓለፉ ዓመታትን ናብ ህንፀት ዝኣተዉ ምዃኖም ብምግላፅ ÷ኣብዚ ሐዚ እዋን ሙሉእ ብሙሉእ ከምዝተዛዘሙ ሓቢሮም፡፡
ፅባሕ እውን ውሕስና ምግቢ ማሕበረሰብ ገፀር ዘረጋግፁ ፕሮጀክትታት መስኖን መስተ ማይን ከምዝምረቕ ኣብሪሆም፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።