ኣብ ከተማ ደባርቕ 124 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜን ጎንደር ከተማ ደባርቕ ኣብ መውፅኢን መእተዊን ኬላታት ብዝተገበረ ክትትል 124 ተጠርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ከተማ ደባርቕ ኣይተ ጌትነት ፀጋየ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ናብታ ከተማ ከየኣቱ ሕብረተሰብ ናይ ምንቃሕ ስራሕቲ ተሳለሊጡ ኢሎም።

ብፍላይ ድማ ሕብረተሰብ በቢ መንደሩ ብምውፋር፣ ብዛዕባ እዋናዊ ኩነታት ግልፂ ግንዛበ ምፍጣርን ከባቢኡ ብንቕሓት ክሕሉን ናይ ምግባር ስራሕ ተሰሪሑ ኢዩ ኢሎም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን 2 ሺሕን 700 መናእሰይ ተመልሚሎም መሰረታዊ ስልጠና ውትድርና ብመሃብ ውዳበ ከምዝተገበረ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ መናእሰይ ሰላምን ድሕንነት እታ ከተማ ንኽሕልዉ፣ ኣብ ኬላታትን መንደርን ፍተሸ ክገብሩ ሓላፍነት ከምዝተውሃቦም ኣብሪሆም።

ኣብ ኬላታትን ዝተፈላለዩ ቦታታትን ብዝተገበረ ክትትል 124 ተጣርጠርቲ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረ ከምዝኾነ ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment