ኣብ ከተማ ደሴ ዝተፈላለዩ ናይ ሕሶት ኖታት ብርን ዘይሕጋዊ ጠያይቲን ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ደሴ ማእኸል ዕዳጋ ኣራዳ ዝተፈላለዩ ናይ ሕሶት ኖታት ብርን ዘይሕጋዊ ጠያይቲ ሽጉጥን ብሬንን ከምኡ እውን 8 ካዝናታት ከምዝተትሓዙ ዋና ጣቢያ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ማሕበረሰብ ሓቆፍ ምክልኻል ገበን እቲ ጣቢያ ሓጋዚ ኢንስፔክተር መሓመድ ዓሊ ከምዝገለፁዎ፥ ኣብ ከባቢ ማእኸል ዕዳጋ ኣራዳ ተጠራጣሪ ውልቀሰብ ብናይ ሕሶት ኖት ብር ክዳን ክገዝእ እንትብል ብሓገዝ ሕብረተሰብ 9 ሺሕን 400 በዓል 200 ኖት ብር ናይ ሕሶት ኖት ሒዙ ተረኺቡ፡፡

ተጠርጣሪ ተወሳኺ ናይ ሐሶት ብር ክህልዎ ይኽእል ኢዩ ብዝብል ጥርጣረ ብዝተገበረ ፍተሻ፥200 ጠያይቲ ሽጉጥ፣ 52 ጠያይቲ ብሬንን 8 ካዝናን ተረኺቡዎ ኢሎም፡፡

እቲ ጉዳይ ብሕጊ እናተረኣየ ከምዝኾነ ዝገለፁ እቶም ሓላፊ፥ ሓይሊ ፀፅታ ብፍሉይ ትኹረት ተመሳሳሊ ገበን ንምክልኻል እናሰርሐ ከምዝኾ ኣብሪሆም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment