ኣብ ከተማ ደሴ ንግብረ ራዕዲ ህወሓትን ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያንን ዝኹንን ሰልፊ ተኻይዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ደሴ ንግብረ ራዕዲ ህወሓትን ኢድ ኣእታውነት ምዕራባውያንን ዝኹንን ሰልፊ ተኻይዱ።

ነበርቲ እታ ከተማ፥ ግብረ ራዕዲ ህወሓትን ምዕራባውያን ሃገራትን ኣብ ሉዓላዊነት ሃገርና ኢዶም ከእትዉ ኣይግባእን ብምባል ኮኒኖም፡፡

ኣብ ዉሽጣዊ ጉዳይ ሃገር ኢዶም ብምእታው ድማ ንውሽጣዊ ሰላም ዕንቅፋት ከምዝኾኑ ገሊፆም፡፡

እቶም ሰልፈኛታት÷ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ፍልፍል ፀገም ኢዩ፣ ፀላኢና ህወሓት እምበር ህዝቢ ትግራይ ኣይኮነን፣ ብኲናት ውክልና ምጥቃዕ የኣክል፣ ኢትዮጵያ ክትስዕር ኢያ ዝብሉ ጭርሖታት አብ ኳስሜዳ ተረኺቦም ድምፆም ኣስሚዖም፡፡

ብኣንድነት ናሁሰናይ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment