ኣብ ከተማ ደሴን ኮምቦልቻን ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ይዛተዩ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 መስከረም፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ደሴን ኮምቦልቻን ዝነብሩ ተጋሩ ኣብ እዋናዊ ሃገራዊ ጉዳያት ይዛተዩ ኣለዉ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ርክብ ህዝቢ ምስ ህዝቢ ንምጥንኻርን ህዝቢ ብህወሓት ዝዝረቡ ኣዕነውቲን መሰረት ዘይብሎምን መረዳእታታት እንተይተደናገረ ብሓባር ናይ ምንባር ክብሩ ንኸጠናኽር ዝዓለመ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ሳይንስን ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲን ዶክተር ሙሉ ነጋን ሓላፊ ፓርቲ ብምልፅግና ክልል ትግራይ ኣይተ ነብዩ ስሑል ሚካኤልን እቲ መድኽ ዘተ ከምዝመርሕዎ ተገሊፁ።

ኣብተን ከተማታት ዝነብሩ ተወለድቲ ክልል ትግራይ እቲ ነባራዊ ኩነታት ተገንዚቦም ኢህወዴግ ካብ ግንባር ናብ ውህደት ዝመፅአሉ ኣድላይነት ንክርድኡ ዘኽእል መበገሲ ፅሑፍ ቀሪቡ።

ብተወሳኺ ፍልስፍና ፓርቲ ብልፅግና፣ ዕላማን ኣንፈታት ትኹረትን ከምኡውን ህወሓት ዝጓዓዘሉ ዘሎ ኣዕናዊ ኣካይዳ ግልፂ ዝገብሩ ነጥብታት ከምዝቐረቡ ተሓቢሩ።

ብኣንድነት ናሁሰናይ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment