ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራት ብምኽንያት በዓል መስቀል 2017 ዓ/ም ዓብዪ ጉያ ተሳሊጡ።

እቲ ጉያ ብምትሕብባር ማሕበር ልምዓት ዓጋመን ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ ወልዋሎ ዩንቨርስቲ ዓዲግራትን ዝተዳለወ እዩ።

ዕላምኡ ድማ፥ እቲ ከባቢ ንምፍላጥን መናእሰይ ኣብ ስፖርት ክሳተፉ ንምግባርን ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ብመሰረት እዚ ካብ መሸጣ ቲሸርት ዝተረኸበ ኣታዊ፥ ሙሉእ ንሙሉእ ንመጠናኸሪ ደገፍቲ ጋንታ ኩዕሶ ወልዋሎ ዩኒቨርስቲ ዓዲግራት ከምዝውዕል ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment