ኣብ ከተማ ውቕሮ ጊዝያዊ ኣወዳድባ ምምሕዳር ምዝርጋሕ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ኣብ ከተማ ውቕሮ ጊዝያዊ ኣወዳድባ ምምሕዳር ብዕሊ ምዝርጋሕ ተጀሚሩ።

ጊዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ምስ ነበርቲ ከተማ ውቕሮ ኣብ እዋናዊ ኩነታት ብምድሃብ ተዛቲዩ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሙሉ ነጋን ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም በላይን ኢዮም መሪሐሙዎ።

እቶም ነበርቲ ምስ ኣገልግሎት ቴሌኮሙኒኬሽን፣ ባንኪ፣ ሕክምናን ትራንስፖርትን ብዝተተሓሓዘ ዘለዉ ፀገማት ተዛሪቦም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ኣብ ከተማ ውቕሮ ድሕሪ ምእታዉ ኣብታ ከተማ ሰላምን ምርግጋዕን ከምዝተፈጠረ እውን ሓቢሮም።

ብህፁፅ መሓዉር ምምሕዳር ብምዝርጋሕ ድሕንነት ህዝቢ ምኽባርን መሊስካ ምህናፅን ስራሕቲ ክጅመሩ ይግባእ እውን ኢሎም።

ብዝተፈላለዩ ኣጋጣሚታት ኣፅዋር ዝተዓጠቑ ውልቀ ሰባት ንመንግስቲ ምርካብ ከምዝግበኦም ኣተሓሳሲቦም።

ዋና ኣፈፃሚ ስራሕ እቲ ጊዚያዊ ምምሕዳር ዶክተር ሙሉ ነጋ፥ ሕብረተሰብ ምስ መሰረተ ልምዓታት ብዝተተሓሓዘ ዘልዓሎም ሕቶታት ብህፁፅ ምላሽ ንክረኽቡ ይስራሕ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ሕብረተሰብ ዝደሊዮም ኣመራርሓታት ብናይ ባዕሉ ነፃ ድልየት ንክመርፅ ንምግባር እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ብትኹረት ከምዝሰርሕ እውን ኣረጋጊፆም።

ላዕለዋይ ኣመራርሓ ፓርቲ ብልፅግና ክልል ትግራይ ዶክተር ኣብርሃም፥ ህዝቢ ትግራይ ሰላሙን ልምዓቱን ንምርግጋፅ ብሓባር ደው ንክብል ፃውዒት ኣቕሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment