ኣብ ከተማ ከሚሴ በዓል ብሄር ብሄረሰባት ተኸቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መበል 17 በዓል ብሄር ብሄረሰባት ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ከተማ ከሚሴ ተኸቢሩ፡፡

እቲ በዓል÷ ”ብሄራዊ ሓድነትና ንዘላቒ ሰላምና” ብዝብል መሪሕ ቃል ተኸቢሩ፡፡

ኣብቲ ኣከባብራ በዓል ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን አገኘሁ ተሻገር ሓዊሱ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ፋንቱ ተስፋዬ፣ ኣፈ ጉባኤታት ቤት ምኽሪ ክልል ዓፋርን ኦሮሚያን ኢሉውን ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ፌደራልን ክልልን ተረኺቦም፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራ ፋንቱ ተስፋዬ ኣብቲ ኣከባብራ በዓል ኣብ ዝገበርኦ መደረ÷ “ኢትዮጵያ ወናኒት ብዙሕ ቋንቋ፣ ባህሊ፣ ሃይማኖትን ፀጋን ስለዝኾነት ብሄራዊ ሓድነትና ብምጥንኻር ክነኽብሮ ይግባእ” ኢለን፡፡

ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ሀሊማ ይማም ብግደአን÷ ዞባ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኦሮሞ ወናኒ ብዙሕ ባህሊን ብሄር ብሄረሰባት ብሓባር ዝነብርሉን ከምዝኾነ ገሊፀን፡፡

ናይቲ በዓል ምኽባር ርክብ ሕድሕድ ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ባህሊን መንነትን ንክቕፅል ኣብ ምግባር ልዑል ግደ ኣለዎ ከምዝተብሃለ ግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ፡፡

ኣብቲ ኣከባብራ ብዓል ባህሊን ክብሪን ብሄር ብሄረሰባት ዘርኢ ናይ ፎቶ ዐውደ ርዕይ ቀሪቡ፡፡

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment