ኣብ ከተማ ኣጣዬ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ካብ መንጎ ዝነበሩ እቶም 21 ሺሕ ሰባት ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ግንቦት፣ 2013 ( ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣጣዬ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ካብ መንጎ ዝነበሩ እቶም 21 ሺሕ ሰባት ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ ኣብቲ ከባቢ ዝተጣየሸ ግብረ ሓይሊ ገሊፁ።

ኣተሓባባሪ እቲ ግብረ ሓይሊ ሌተናል ጄኔራል ደስታ ኣቢቼ፥ ኣብቲ ከባቢ ሰላምን ምርግጋዕን ንምፍጣር በዝተፈፀሙ ተግባራት እወንታዊ ለውጢ እኳ እንተሃለወ ዝተረፉ ስራሕቲ ግን ኣለዉ ኢዮም ኢሎም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ሞት ሰባት፣ ምምዝባልን ዕንወት ደው ምባል ከምኡውን ማሕበራዊ፣ ምምሕዳራዊን ኢኮኖሚያዊን ምንቅስቓስ ናብ ንቡር ንምምላስን ምኽባር ልዕልነት ሕጊን ዕላማ በምግባር እንትንቀሳቐስ ከምዝነበረ ኣብሪሆም።

ብመሰረት እዚ ኣብቲ ከባቢ ዝነበረ ጎንፂ ደው ብምባል ዋና መገዲ ብምኽፋትን ኣገልግሎት ትራንስፖርት ሙሉእ ሙሉእ ከምዝተተጀመረ ሓቢሮም።

ኣብ ዝተገበረ ምኽባር ሕጊ ዝተረኸቡ ውፅኢታት እንተሃለዉ እውን ዝተረፉ ስራሕቲ ከምዘለዉ ብምሕባር እቲ ጎንፂ ዳግማይ ንክውላዕ ዝሰርሑ ሓይሊታት ከምዘለዉ ገሊፆም።

እቲ ግብረ ሓይሊ ነቶም ሓይሊታት እናሰዓበ ናብ ሕጊ ናይ ምቕራብን ሕጊ ናይ ምኽባርን ስራሕቲ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተዛሪቦም።

ኣብቲ ከተማ ብዝነበረ ጎንፂ ካብ መረበቶም ተመዛቢሎም ካብ መንጎ ዝነበሩ እቶም 21 ሺሕ ሰባት ናብ መረበቶም ከምዝተመለሱ እውን ገሊፆም ክብል ኢፕድ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment