ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዘተ መናእሰይ ይካየድ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)”ገዛእቲ ያታታት ንምስራፅ ግደ ትውልዲ መደመር” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ብብርኪ ከተማ ዝተሰናደአ ዘተ መናእሰይ ኣብ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ይሳለጥ ኣሎ።

መዛዘሚ መድረኽ ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባ ክንፊ መናእሰይ ብብርኪ ወረዳን ክፍለ ከተማን እናካየዶ ዝፀንሐ ዘተ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፓርቲ ብልፅግና ጨንፈር ኣዲስ ኣበባ ሞገስ ባልቻን ካብ ኩለን ክፍለ ከተማታት ዝተውፃእፅኡ መናእሰይን ተረኺቦም።

ፕሬዚዳንት ክንፊ መናእሰይ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ኣዲስ ኣበባ ፓርቲ ብልፅግና መለሰ ኣባተ ኣብቲ እዋን÷ መናእሰይ ዘተኣኻኽቡ ገዛእቲ ያታታት ብምስራፅ ንሓበራዊ ሓድነት ክሰርሑ ከምዘለዎም ኣተሓሳሲቡ።

እቲ መድረኽ ዘተ መናእሰይ ሕብረቶምን ሓድነቶምን ካብ ምጥንኻር ሓሊፉ ኣብ ዘተኣኻኽቡ ያታታት ብትኹረት ንምስራሕ ዘኽእል ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment