ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ትምህርቲ ገፅ ንገፅ ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ 5ይ ክሳብ 8ይ ክፍሊ ዘበነ ትምህርቲ 2013 ዓ.ም ትምህርቲ ገፅ ንገፅ ሎሚ መዓልቲ ተጀሚሩ።
ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ እቲ ምምሕደርን ኣብ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልኪ ላፍቶ ቀዳማይ ብርኪ ትቤት ትምህርቲ መካኒሳ ተረኺቦም ትምህርቲ ኣጀሚሮም።
ወይዘሮ ኣዳነች ኣቤቤ፥ ናይዚ ዓመት ዘበነ ትምህርቲ ለበዳ ኮቪድ-19 ፍሉይ ጥንቃቐ ንምግባር ልዕሊ 2 ሺሕን 300 ተወሰኽቲ መምሀሪ ክፍሊታትን 118 መመገቢ ኣዳራሻትን ከምዝተሃነፁ ገሊፀን።
ሓፈሻዊ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ካብ ኮቪድ-19 ብዝነፅሀ መገዲ ንኽካየድ ተምሃሮ፣ መምህራንን ወለዲን ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብሩ ፃውዒት ምቕራበን ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡
እተን ከንቲባ፥ ንተምሃሮ ዝተዳለወ ዩኒፎርም፣ ናውቲ መሐለዊ ፅሬት ዝተፈላለዩ ሓገዝቲ መምሀሪ መሳርሒታትን፤ ንመምህራን ድማ ህያብ ጋቦን ኣበርኪተን።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment