ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተዘዋወረ ዝነበረ 71 ካርቶን መድሓኒት ከምዘሓዘ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብኮንትሮባንድ እናተዘዋወረ ዝነበረ 71 ካርቶን መድሓኒትን 57 ካርቶን ሽቶን ከምዘሓዘ መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ።

እቶም ኣቑሑት ኮንትሮባንድ ክተሓዙ ዝኸኣሉ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ወረዳ 10 ፍሉይ ሽሙ እፎይታ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ለይቲ ሰዓት 10 ፖሊስ ብዝገበሮ ፍተሸን ቁፅፅርን ኣብ ዝገበረሉ እዋን ከምዝኾነ እቲ ኮሚሽን ገሊፁ፡፡

ናይ ፅዕነት መኪና ኣይሱዙ ፀልማት ምኽንያት ብምግባር 71 ካርቶን መራፍእ ሕክምናን መድሓኒታት ከምኡ እውን 57 ካርቶን ሽቶ ብኮንትሮባንድ ፅዒኑ እናተንቀሳቐሰ ከምዝነበረ መምርሒ ፖሊስ እታ ክፍለ ከተማ ሓላፊ ቁፅፅር ትራፊክ ዲቪዥን ኮማንደር ትእግስት ሃይሉ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ፖሊስ ፍተሸ እናገበረ ምዃኑ ዝፈለጠ እቲ ኣሽከርካሪ መኪኑኡ ናብ ካሊእ ኣንፈት ቀይሩ እንትጓዓዝ ብጥርጣረ ብዝተገበረ ጥብቂ ክትትል ኣብ ክፍለ ከተማ ኮልፌ ቀራንዮ ብልምዲ ፊልዶሮ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ እታ ተሸከርካሪት ደው ኢላ ምርካባን እቲ ገናሒ መኪና ንግዚኡ ከምዝተሓብአን ኮማንደር ትእግስት ተዛሪቦም፡፡

መርማሪ ገበን መምርሒ ፖሊስ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ሓጋዚ ኢንስፔክተር ካሚል ኣልዬ ብግደኦም፥ እታ ተሸከርጃከሪት ኣብ ቀፅሪ መምርሒ ፖሊስ ደው ኢላ ከምትርከብን ዝተትሓዙ መድሓኒታትን ሽቶታትን ንኮሚሽን ጉምሩክ ኣታዊ ክግበሩ ኢዮም ኢሎም፡፡

እቲ ተጠርጣሪ ብመሓዝ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ፃዕሪ እናተገበረ ከምዝኾነን ምግላፆም ካብቲ ኮሚሽን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረደእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment