ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ምዕባለ ንዝግበር ጉዕዞ ጉልበት ኢዮም – ኣይተ ኣረጋ ከበደ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ምዕባለ ንዝግበር ጉዕዞ ጉልበት ከምዝኾኑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ ገሊፆም።

“ካብ ተሓጋዛይነት ናብ መፍረያይነት፤ ንዝተማልአ ሃገራዊ ሉእላውነትን ክብሪን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ከተማ ኣዲ ኣበባ ዝኽሪ ዓወት ዓድዋ ህዝባዊ ዘተ ተኻይዱ።

እቲ መድረኽ ዘተ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣይተ ኣረጋ ከበደ፣ ሚኒስትር ሕርሻ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር) ከምኡ እውን ምክትል ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ጃንጥራር ኣባይ ብሓባር ዝመርሑዎ እንትኾኑ÷ ኣብቲ መድረኽ ዘተ ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ዝተውፃእፅኡ ነበርቲ እታ ከተማ ተሳቲፎም፡፡

ከም ሃገር ለኸ ዝተሰናደአ መበገሲ ፅሑፍ ዘቕረቡ ግርማ ኣመንቴ (ዶ/ር)÷ ንኢትዮጵያ ብውሕስና ምግቢ ርእሳ ምኽኣል ናይዚ ዘበን ሓርበኝነት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

“ኣይተ ኣረጋ ከበደ ብግደኦም÷ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ እናተወገኑ ዝርከቡ ስራሕቲ ልምዓት ናብ ምዕባለ ንዝግበር ጉዕዞ ጉልበት ኢዮም” ክብሉ ገሊፆም፡፡

እዚ ጉዕዞ ንኽዕወት ኩሉ ንሰላም፣ ንሕውነትን ሓድነትን ቅድሚት ብመሃብ ሓድነትን ሉኣላዊነትን ሃገር ኣብ ፅኑዕ መሰረት ምህናፅ ከምዝግባእ ምግላፆም ሓበሬታ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ከተማ ኣዲስ ኣበባ የመላኽት፡፡

Comments (0)
Add Comment