ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ እዋን ክረምቲ ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ ዓቕመ ደካማ ዜጋታት ተመሓላሊም።
ከንቲባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘመሓላለፈኦ ፅሑፍ÷ ኣብ ከረምቲ ኣዋርሕ ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ ሎሚ መዓልቲ ንዓቕመ ደካማ ዜጋታን ሰብ ውዕለታ ሃገርን ከምዝተመሓላለፉ ኣብሪሀን፡፡
በዚ ድማ ን203 ነበርቲ እታ ከተማ ሰብ ገዛ ምግባር ከምዝተኸኣለ ገሊፀን፡፡
እቶም መንቢ ኣባይቲ÷ ሰብ ሃፍቲ፣ መንግስታዊን ዘመንግስታዊን ትካላት ከምኡ እውን ሰራሕተኛታት መንግስቲ ብምትሕብባር ዝተሃነፁ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ፡፡
ድሕሪ ሓዱሽ ዓመት ሎሚ ዝተመሓላለፉ ሓዊሱ 1 ሺሕን 889 ኣባይቲ ንነበርቲ ምርካብ ከምዝተኸኣለ ፀሪሐን፡፡
ኣብቲ ሰናይ ተግባር ኣሰሮም ንዘንበሩ ኣመራርሓታት፣ ሰብ ሃፍቲ፣ መንግስታዊን ውልቃዊን ትካላት ምስጋና ኣቕሪበን፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com