ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ነሓሰ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንበዓል ሓዱሽ ዓመት ሕፅረት ቀረብ መሰረታዊ ጠለብ ከየጋጥም እናተሰርሐ ምዃኑ ቢሮ ንግዲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።
ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ እቲ ቢሮ ሰውነት ኣየለ ከምዝገለፁዎ÷ ንበዓል ሕፅረት ቀረብ ከይፍጠር ፍርያታት ኢንዱስትሪ ሕርሻ ብበዝሒ ክኣትዉ ተገይሩ ኢዩ፡፡
ኣብታ ከተማ ኣብ ዝርከባ 25 ቦታታት ባዛር ከምዝተሰናደአ ብምግላፅ÷ ብምዃኑ ድማ ንበዓል ዝውዕሉ ኣድለይቲ እታወታት እናቐረቡ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡
ካብዚ ሓሊፉ ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝርከቡ 172 ዕዳጋ ሰንበት ፍሉይ ምድላው ተገይሩ ኣድለይቲ ጠለባት ብተመጣጣኒ ዋጋ ንኽቐርቡ ከምዝተገበረ ገሊጾም፡፡
እዚ ድማ ኣፍረይቲን ዓደግቲን ብቐጥታ ብምርኻብ ብዘይሕጋዊ ደለልቲ ክፍጠር ዝኽእል ናህሪ ዋጋ ከምዘትርፍ ኣብሪሆም፡፡
ብካሊእ መዳይ ብ152 ሸመትቲ ማሕበራትን ሸውዓተ ዓበይቲ ዕዳጋታትን ናይ ጠለብ ኣቕሑት ናብ ዕዳጋ ከምዝቐረቡ ተዛሪቦምም፡፡
ብመሰረት እዚ፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 25 ሚሊየን ሊትሮ ዘይት፣ 52 ሺሕ ኩንታል ጣፍ፣ 30 ሺሕ ኩንታል ሕሩጭ ስርናይ፣ ልዕሊ 36 ሺሕ ኩንታል ቀይሕ ሽጉርቲን ካልኦት እታወታትን ንዓደግቲ ከምዝቐረቡ ገሊፆም፡፡
ምስ እንስሳት ተዋፅኦ ተተሓሒዙ ድማ 7 ሺሕ ዝኾኑ ከፍታውቲ፣ ብዙሓት ኣባጊዕን ኣጣልን ከምኡ እውን 3 ሚሊየን እንቋቑሖ ናብ ዕዳጋ ቀሪቦም ኢሎም፡፡
ኣብ ዕዳጋ ዝስተውዓሉ ዘይሕጋዊ ተግባራት ንምክልኻል ግብረ ሓይሊ ተጣይሹ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት ፀፅታ ብምውዳድ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣብሪሆም፡፡
ብመላኩ ገድፍ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com