ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናይ 109 ኤጀንሲታት መራኸቢ መስርሒን ሰራሕተኛን ፍቓድ ስራሕ ከምዝተሰረዘ ቢሮ ልምዓት ኢንተርፕራይዝ ስራሕን ኢንዱስትሪን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡
ስጉምቲ ዝተወሰዶም ኤጀንሲታት ኣብ ውሽጢ ሃገር ሰራሕተኛታት ኣብ ምርኻብ ዝተዋፈሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡
ምክትል ሓላፊ እቲ ቢሮ ፍስሃ ጥበቡ ሎሚ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ ምስ ኤጀንሲታት ምውፋር ስራሕ ተተሓሒዙ ካብ ሕብረተሰብ ስምዕታ እናቐረበ ምፅንሑ ተዛሪቦም።
እቲ ስምዕታ መሰረት ብምግባር ሰፊሕ ክትትል ከምዝተገበረ ብምግላፅ÷ በዚ ድማ ሕጋዊ ከይዲ ኣሰራርሓ ብምጥሓስ እናሰርሒ ዝነበሩ 109 ኤጀንሲታት መራኸብቲ ሰራሕተኛን መስርሒን ፍቓድ ስረሖም ክስረዝ ተገይሩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/…
ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com