ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ክታበት ፖሊዮ ክወሃብ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ጥቅምቲ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ህፃናት ካብ ፅባሕ ጀሚሩ ክታበት ፖሊዮ ከምዝወሃብ ቢሮ ጥዕና እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ኣገልግሎት ጥዕና ህፃናትን ኣዶታትን እቲ ቢሮ ቤተልሔም ታየ ኣወሃህባ እቲ ክታበት ኣመልኪተን ኣብ ዝሃበኦ መግለፂ፥ ኣብ ቀዳማይ ዙር ወፍሪ ክታበት ፖሊዮ ዕድሚኦም ትሕቲ 5 ዓመት ንዝኾኑ ልዕሊ 555 ሺሕ ህፃናት ክወሃብ ኢዩ ኢለን።

ኣብ ኢትዮጵያ ካብ ታሕሳስ 2011 ዓ.ም ጀሚሩ ብዝተገበረ ዳህሳስ፥ መምፃእ ፖሊዮ ህዋሳት ከምዘሎ ተረጋጊፁ ኢዩ ኢለን፡፡

ብመሰረት እዚ ቀዳማይ ዙር ክታበት ፖሊዮ ካብ ፅባሕ 12 ክሳብ 15 ጥቅምቲ 2014 ዓ.ም ገዛ ንገዛ ክታበት ከምዝወሃብ እተን ዳይሬክተር ምግላፀን ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ

Comments (0)
Add Comment