ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ተወሰኽቲ 67 ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ናብ ስራሕ ኣቲየን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ሕዳር፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀረብ ብዙሃን ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምምሕያሽ ተወሰኽቲ 67 ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ሎሚ ናብ ስራሕ ኣቲየን፡፡

ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፀን÷ “ቀረብ ብዙሃን ትራንስፖርት ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምምሕያሽ ተወሰኽቲ 67 ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ሎሚ ናብ ስራሕ አእቲና” ኢለን፡፡

“ሎሚ መዓልቲ ናብ ስራሕ ዘዋፈርናየን ሓዊሱ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ ሓገዝ 177፣ ብበጀት እታ ከተማ 200፤ ብሓፈሻ 377 ሓደሽቲን ዘበነዎትን ናይ ከተማ ኣውቶቡሳት ብምግዛእ ናብ ስራ አእቲና ኣለና” ኢለን፡፡

ባንኪ ዓለም ንዝገበሮ ሓገዝ እውን ምስጋና ኣቕሪበን፡፡

እተን ኣውቶቡሳት ኣብታ ከተማ ልዑል ተጠቃሚ ትራንስፖርት ኣብ ዝበዝሐሎም መስመራት ከምዝምደባ ተገሊፁ።

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment