ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ህይወት 4 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ህይወት 4 ሰባት ሓሊፉ።

ኣብታ ከተማ ካብ ሞንጎ ዘጋጠሙ ሓደጋታት እቶም ኣርባዕተ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ እንትኾኑ÷ ዝተረፉ ድማ ካብ ባርዕ ሓዊ ወፃእ ከምዝኾኑ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ቀዳም ኣብ ክፍለ ከተማ የካ ፍሉይ ሽሙ ቀርሳ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ተኳዒቱ ክፍቲ ዝተሓደገን ማይ ዝዓቖረን ጉድጓ ወዲ 14 ዓመት ሰገን ኣቲዩ ህይወቱ ከምዝሓለፈ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ኣይተ ንጋቱ ማሞ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ተዛሪቦም፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ 5 ከባቢ መሰልጠኒ ኣሽከርከሪ ኣብ ዝርከብ ኦም፤ 32 ዕድሚኡ ዝኾነ ውልቀ ሰብ ተሓኒቑ ህይወቱ ከምዝሓለፈ ተሓቢሩ፡፡

ብካሊእ መዳይ ቀዳም ለይቲ ኣብ ክፍለ ቂርቆስ ከባቢ ወሎ ሰፈር ሱዙኪ ኣውቶሞቢል ናይ ገዛ መኪና መስመር ጥሒሳ ንህንፀት ዝተዃዕተ ዓሚቕ ጉድጓ ብምእታዋ ኣብታ መኪና ዝነበሩ 2 ሰባት ሽዒ ንሽዒ ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ቀዳምን ሰንበትን ኣብ ክፍለ ከተማታት ኣቃቂ ቃሊቲ፣ ቦሌን ንፋስ ስልኪ ላፍቶን ብዘጋጠሙ ሓደጋታት ባርዕ ሓዊ 975 ሺሕ ብር ዝግመት ንብረት ዝዓነወ እንትኸውን÷ ልዕሊ 10 ሚሊየን ዝግመት ንብረት ምድሓን ከምዝተኸኣለ ተመልኪቱ፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment