ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝነበረ 28 ሺሕነ 608 ሊትሮ ቤንዚንን ናፍጣን ከምዝወረደ ቢሮ ንግዲ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡
ሓላፊት እቲ ቢሮ ወ/ሮ ሃቢባ ሲራጅ፤ ናብታ ከተማ እናቐረበ ኣብ ዝርከብ ቀረብ ነዳዲ፣ ዝርገሐን ከየዲ ቁፅፅርን ብዝምልከት ካብ ትግበራ መመሓየሺ ማክሮ ኢኮኖሚ ጀሚሩ ክትትልን ድጋፍን ስርዓት ተዘርጊሑ እናተመርሐ ከምዝኾነ ኣልዒለን፡፡
በዚ ድማ ኣብታ ከተማ 125 መዕደሊታት ናፍጣ ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ 2 ሚሊየን፣ ቤንዚን ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ 1 ነጥቢ 45 ሚሊየን ሊትሮ ብድምሩ ኣብ ዝሓለፉ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ መዓልቲ 3 ነጥቢ 45 ሚሊየን ሊትሮ ነዳዲ ከምዝቐረበ ኣዘኻኺረን፡፡
ኣብ ከይዲ ቁፅፅር ኣብ ዘይሕጋዊ ተግባር ዝኣተዉ መዕደሊ ነዳዲ ስጉቲ ከምዝተወሰደ ብምግላፅ፤ በዚ ድማ ብዘይሕጋዊ መገዲ እናተዘዋወረ ዝተወረሰ ነዳዲ መጠን ቤንዚን 18 ሺሕን 985 ሊትሮ፣ ናፍጣ 9 ሺሕን 434 ነጥቢ 5 ከምኡ እውን ፃዕዳ ጋዝ 189 ብድምር 28 ሺሕን 608 ነጥቢ 5 ሊትር ነዳዲ ከምዝተወረሰ ተዛሪቦም፡፡