ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተዉ 490 ጋላክሲ ሳምሰንግ ሞባይል ስልኪታ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኮንትሮባንድ ናብ ውሽጢ ሃገር ዝኣተዉ 490 ጋላክሲ ሳምሰንግ ሞባይል ስልኪታት ከምዝተትሓዙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ኣፍሊጡ፡፡

ፖሊስ ካብ ሕብረተሰብ ዝረኸቦ ሓሬታ መሰረት ገይሩ ብዝገበሮ ክትትል 25 ሰነ 2016 ዓ.ም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ኣዲስ ከተማ ወረዳ 8 ፍሉይ ሽሙ ማእኸል ዕዳጋ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ናይ ሓደ ውልቀሰብ ድንኳን ብኽጒ መገዲ ብዝጸገበረ ብርበራ እቶም ስልኪታት ምሓዝ ከምዝተኽኣለ ተሓቢሩ፡፡

ምልክት ንግዶም ጋላክሲ ሳምሰንግ ዝኾኑ እዞም 490 ሞባይል ስልኪታት ኣብ ሰለስተ ካርቶን ተሓቢኦም ብኮንትሮባንድ ናብ ሃገር ዝአተዉ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

Comments (0)
Add Comment