ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ መመዘኒ ፈተና ካብ ዝወሰዱ ዳይሬክተራትን መራሕቲ ጉጅለን እቶም 34 ሚኢታዊ ከምዝሓለፉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ዝተውሃበ ፈተና ቴክኒክን ብቕዓት ባህሪን ውፅኢት ዕላዊ ኮይኑ።

ብዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባን ዩኒቨርሲቲ ትምህርቲ ኮተቤን ዝተሰናደአን ንሰራሕተኛታት ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዝተውሃበን ፈተና ውፅኢት ብዝምልከት መግለፂ ተዋሂቡ።

ኣብቲ መግለፂ ድማ ካብ 21 ታሕሳስ 2016 ዓ.ም ንኣመራርሓ፣ ሰብ ሞያን ሰራሕተኛታትን እቲ ምምሕዳር ከተማ ዝተውሃበ ፈተና ቴክኒክን ብቕዓት ባህሪን ዝወሰዱ ቁፅሪ ሰራሕተኛታት 15 ሺሕን 151 ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ካብዚ ሓፈሻዊ ቁፅሪ ንፈተና ካብ ዝተቐመጡ 10 ሺሕን 257 ፈፀምቲ ፤ 5 ሺሕን 95 ወይ እውን ልዕሊ 50 ሚኢታዊ ዝኾኑ መሕለፊ ውፅኢት ከምዘመዝገቡ ተሓቢሩ፡፡

ዝተረፉ 50 ሚኢታዊ ዝኾኑ ድማ ዝተቀመጠ መሕለፊ ነጥቢ ከመዝግቡ ከምዘይከኣሉ ሓላፊ ቢሮ ፐብሊክ ሰርቪስን ልምዓት ሃፍቲ ሰብን እቲ ምምሕዳር ከተማ ጣሰው ገብሬ (ዶ/ር) ተዛሪቦም።

መመዘኒ ፈተና ዝወሰዱ ዳቁፅሪ ይሬክተራትን መራሕቲ ጉጅለን 4 ሺሕን 213 እንትኸውን÷ መሕለፊ ውፅኢት እቲ ፈተና ዘመዝገቡ 34 ሚኢታዊ ወይ እውን 1 ሺሕን 422 ጥራሕ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ንፈተና ካብ ዝተቐመጡ ሓፈሻዊ ቁፅሪ 681 ዝኾኑ ብዝተፈላለየ ጥሕሰት ስነ ምግባር ካብ ፈተና ወፃእ ከምዝኾኑ ኣብሪሆም፡፡

441 ዝኾኑ ድማ ኣብ መፈተኒ ቦታ ዘይተረኸቡ ከምዝኾኑ እቶም ሓላፊ ምግላፆም ሓቤታ እቲ ቢሮ የመላኽት፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment