ኣብ ከተማ ኣደስ ኣበባ ብሓደጋ ትራፊክ ህይወት 4 ሰባት ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ ሀይወት ኣርባዕተ ሰባት ሓሊፉ።

እቲ ሓደጋ ሎሚ መዓልቲ ከባቢ ሰዓት 4 ካብ ጎሮ ናብ ኮዬ እናተጓዓዘት ዝነበረት ኣይሱዙ ተሽከሪካሪት ትኬት ኣውቶብስ እናቖረፁ ዝነበሩ ዜጋታት ብምግጫዋ ዘጋጠመ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

በቲ ሓደጋ ካብ ዝሞቱ ሰባት ብተወሳኺ ኣሽከርካሪ ሓዊሱ 7 ሰባት ከቢድን ቀሊልን ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሐ ምክትል ሓላፊ ርክብ ህዝቢ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ም/ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ተዛሪቦም፡፡

ኩለን ህይወተን ዝሓለፈ ወገናት ደቂ ኣንስትዮ ከምዝኾና እቶም ሓላፊ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ገሊፆም፡፡

Comments (0)
Add Comment