ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ዝርከቡ መስሕባት ቱሪስት ዝጉብንዩ ቁፅሪ በፃሕቲ እናወሰኸ ከምዝኾነ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ዝርከቡ ሓድጊታትን መስሕባት ቱሪዝምን ዝጉብንዩ በፃሕቲ ቁፅሮም እናወሰኸ ከምዝመፅአ ቤት ፅሕፈት ባህሊን ቱሪዝምን ከተማ ኣኽሱም ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ክልል ዝዓሰለ ሰላም ስዒቡን መዕፎ ነፈርቲ ራብዓይ ዮሃንስ ኣኽሱም ናብ ኣገልግሎት ምምላሱን ቁፅሪ በፃሕቲ ንኽስኽ ምኽንያት ከመዝኾ ተሓቢሩ።

ኣብቲ ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ በፃሕቲ ውሽጢ ዓዲን ወፃኢን ኣይተ ኪዱ ተጠምቀ ንግዜኢ ከምዝገለፁዎ፤ ኣብቲ ክልል ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ኣብ ከተማ ኣኽሱምን ከባቢኣን ዝርከቡ መስሕባት ቱሪዝም ዝጎብነዩ በፃሕቲ ውሽጢ ሃገርን ወፃኢን ቁፅሮም ካብ እዋን ናብ እዋን እናወሰኸ ይርከብ።

ኣብ ኣኽሱምን ከባቢኣን ከምኡ እውን ኣብ ከተማ ዓድዋ ዝርከቡ ጥንታዊ ቦታታት መስሕብ ቱሪስት ዝጎብነዩ በፃሕቲ ካብ 5 ሺሕ ከምዝበልፅ ገሊፆም።

ኣብ ቀዳማይ ርብዒ እቲ በጀት ዓመት ኣብታ ከተማን ከባቢኣን ዝተኸበሩ ዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊን ባህላዊን በዓላት ንምኽባር ዝመፅኡ በፃሕቲ÷ እቶም  5 ሺሕን  41 ኣብ መስሕብ ቦታታት ዑደት ከምዝገበሩ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ከባቢ ቁፅሪ በፃሕቲ ምውሳኹ÷ ሆቴላት፣ ትካላት ዑደትን ኣብ ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ምፍራይን ምሻጥን ውፅኢታት ኢደ ጥበብ ዝተዋፈሩ መናእሰይ ተረባሕቲ ንኽኾኑ ከምዝገበረ ሓቢሮም።

ኣብቲ ከባቢ በፃሕቲ ብተደጋጋሚ ከብ ሞንጎ ዝጉብንዩዎም መስሕባት ቱሪዝም÷ ቤተ ክርስትያን ኣኽሱም ፅዮን ማርያም፣ ሓወልቲ ኣኽሱም፣ ልዕሊ 2 ሺሕን 500 ዓመት ዕድመ ዘቑፀረ ጥንታዊ ቤተመንግስቲ የሓን ናይ ነገስታት መቓብር ቦታን ይርከቡዎም።

Comments (0)
Add Comment