ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 9 ሰባት ህይወቶም ሓሊፉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ብዘጋጠመ ሓደጋ ትራፊክ 9 ሰባት ህይወቶም ምሕላፉ መምርሒ ፖሊስ እቲ ዞባ ገሊፁ።

ኣዛዚ ፖሊስ እቲ ዞባ ኮማንደር ረታ ተክሉ፥ ሎሚ መዓልቲ ረፋድ ከባቢ ሰዓት 4፡00 ካብ ኣርባ ምንጭ ናብ ኮንሶ እናተጉዓዘት ዝነበረት ሚኒባስ መኪና ኣብ መውፅኢ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝርከብ ቁልቁለት መገዲ ስሒታ ናብ ገደል ብምእታዋ እቲ ሓደጋ ከጋጥም ከምዝኸኣለ ገሊፆም።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ 7 ደቂ ተባዕትዮን 2 ደቂ ኣንስትዮን ብድምር 9 ሰባት ህይወቶም ከምዝሓለፈ ዝገለፁ እቶም ኣዛዚ ፖሊስ፥ ኣብልዕሊ ካልኦት 5 ሰባት ከቢድ ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።

ብህይወት ናይ ዝተረፉ ሰባት ህይወቶም ኣብ ዘተሓሳስብ ብርኪ ከምዝኾነን እዚ ድማ መጠን ዝሞቱ ሰባት ክውስኽ ከምዝኽእልን እውን ኣብሪሆም፡፡

ጉድኣት ዝበፅሖም ሰባት ህይወቶም ንምድሓን ኣብ ሓፈሻዊ ሆስፒታል ኣርባምንጭ ኣድላዪ ሕክምና እናተገበረሎም ከምዝኾነ ብምግላፅ መበገሲ እቲ ሓደጋ ብግብሪ ሓይሊ ሓደጋ መርማሪ ፖሊስ ምፅራይ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

 

Comments (0)
Add Comment