ኣብ ከተማ ባህር ዳር ብልዕሊ 200 ሚሊየን ብር ወፃኢ ዝተጣየሸ ፋብሪካ ፁማቕ ማንጎ ተመሪቑ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 19 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኤ ስኩየር ኤ” ተባሂሉ ዝተጣየሸ “ስላይስ” ፋብሪካ ፁሟቕ ማንጎ  ሎሚ መዕልቲ ኣብ ከተማ ባህር ዳር ተመሪቑ፡፡

እቲ ፋብሪካ ብልዕሊ 200 ሚሊየን ብር ካፒታል ዝተጣየሸ እንትኸውን፥ ኣብ መዕልቲ 112 ሺሕ ሊትሮ ኣብ ዓመት ድማ 33 ሚሊየንን 600 ሺሕ ሊትሮ ፁማቕ ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ ተገሊፁ፡፡

ሚኒስትር ዴኤታ ዞባዊ ምትእስሳር ንግዲ እንዳለው መኮንን፥ ኢትዮጵያ ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ኣባል ንክትኸውን ዝግበር ዘሎ ፃዕሪ ንምጥንኻር ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ፋብሪካታት ከምዘድልዩ ሓቢሮም፡፡

መንግስቲ ብሃገር ቦቀል ቁጠባ ዝተቓነየ ፖሊሲ ቐሪፁ ትካላት ወልቀ ንክልዕዓልን ተሳታፊ ንክኸውን ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ “ኤ ስኩየር ኤ” ኣይተ ኣምሃ መልካሙ ብግዲኦም እቲ ፋብሪካ ብሙሉእ ዓቕሙ ናብ ስራሕ ክኣትው ከሎ ን1 ሺሕን 900 ዜጋታት ዕድል ስራሕ ከምዝፈጥር ኣብሪሆም፡፡

ነቲ ፋብሪካ ዝኸውን እታዎት ንምርካብ ድማ ብርክት ምስ ዝበሉ ሓረስቶት  ምትእስሳር ዕዳጋ ብምፍጣር ሕርሻ ንምብርትታዕ ከምዝስራሕ ተሓቢሩ፡፡

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment