ኣብ ከተማ ባህርዳር 449 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢ ተታሒዞም

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ባህርዳር 449 ዘይሕጋዊ ሸጓጉጢን ንዋታት ኮንትሮባንድን ተታሒዞም።

እቶም ሸጓጉጢ ካብ ሕብረተሰብ ብመሰረት ዝበፅሐ ሓበሬታ፥ ኣብቲ ከተማ “ባህር ማዶ” ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ኣብ መንበሪ ሓደ ውልቀ ሰብ ከምዝተትሓዙ ቢሮ ጉዳያት ድሕንነት ህዝብን ሰላምን ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

እቲ ጉዳይ ካብ ፍልፍሉ ንምድራቕ ዝዓለመ ጉጅለ ምርመራ ተጣይሹ የስረሐሉ ከምዘሎ ድማ ተሓቢሩ።

Comments (0)
Add Comment