ኣብ ከተማ ባህርዳር ኮንፈረንስ ሰላም ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ከተማ ባህርዳር ኮንፈረንስ ሰላም ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ “ሰላም ንኹሉ፣ ኩሉ ንሰላም” ዝብል መሪሕ ሓሳብ ዘለዎ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መድረኽ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር፣ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኣምሓራ ኣረጋ ከበደን ሓዊሱ፥ ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲ ፌዴራለን ክልልን፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ዝተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ተረኺቦም።

ምክትል ላዕለወይ ኢታማዦር ሹም ሓይሊታት ምክልኻል ጄኔራል ኣበባው ታደሰን ካልኦት መኮንናት እቲ ሰራዊትን እውን ኣብቲ ኮንፈረንስ ይሳተፉ ኣለዉ ከብል ኣሚኮ ፀብፂቡ።

እቲ ኮንፈረንስ፥ ኣብቲ ክልል ዘሎ ስእነት ሰለምን መፍትሒ ሓሳባትን ዝጠመተ ዘተ ከምዝግበር ተሓቢሩ።

 

Comments (0)
Add Comment