ኣብ ከተማ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ተኸቢሩ ክሳብ ዝዛዘም ንትራፊክ ዕፁዋት ዝኾኑ መገዲታት ዕላዊ ኮይኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 መስከረም፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ተኸቢሩ ክሳብ ዝዛዘም ዝተወሰኑ መገዲታት ንትራፊክ ዕፁዋት ከምዝኾኑ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ፡፡

26 መስከረም 2016 ዓ.ም በዓል ኢሬቻ ሆራ ፊንፊኔ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ክኽበር ኢዩ፡፡

እቲ በዓል ተጀሚሩ ክሳብ ዝዛዘም ምጭንናቕ ትራፊክ ከየጋጥም ዝተወሰኑ መገዲታት ንተሽከርቲ ስለዝዕፀዉ ኣማራፂ መገዲ ንኽጥቀሙ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ገሊፁ።

ብምዃኑ ድማ ካብ ካብ ፅባሕ ሰዓት 8:00 ጀሚሩ ቲ በዓል ክሳብ ዝዛም

  • ከቦሌ አየር መንገድ በሚሊኒዬም አዳራሽ ወደ መስቀል አደባባይ የሚወስደው መንገድ ወሎ ሰፈር አደባባይ
  • ካብ መገናኛ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ 22 መዞሪ
  • ካብ 4 ኪሎ ብሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ መስቀለኛ ኮንሰን ወይ ድማ ኣብ ወዳጅነት ፓርክ
  • ካብ ፒያሳ ብቸርቸር ጎደና ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ቴዎድሮስ ኣደባባይ
  • ካብ ጦር ሃይሎች ብለገሃር ናብ መስቀል ኣደባባይ ዝወስድ መገዲ ኣብ ልደታ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ
  • ካብ ጀሞ ብትንባሆ ሞኖፖል ናብ ሜክሲኮ ዝወስድ መገዲ ኣብ ኣደባባይ ሕብረት ኣፍሪካ
  • ካብ ቄራ ናብ ሜክሲኮ ኣደባባይ ዝኸይድ መገዲ ኣብ ቡልጋርያ መዞሪ
  • ብሓዱሽ መገዲ ካብ ቄራ ብቂርቆስ ናብ ለገሃር ዝወስድ መገዲ ኣብ ታቦት ማደሪያ
  • ካብ ሳሪስ ፣ በጎተራ ወደ መስቀል አደባባይ የሚወስደው መንገድ ጎተራ ማሳለጫ
  • ካብ ቦሌ ናብ ቅዱስ ኡራኤል ቤተ ክርስቲያን ዝወስድ መገዲ ኣብ ኣትላስ ሆቴል ከባቢ
  • ካብ ኣዋሬ ናብ ካሳንቺዝ ዝወስድ መገዲ ኣብ ኣደባባይ ደቂ ኣንስትዮ
  • ካብ ልደታ ብጌጃ ሰፈር ፣ ሓለዋ ጥዕና ዝወስድ መገዲ ኣብ ኣብነት ከባቢ ፈረሰኛ ፖሊስ
  • ካብ መርካቶ ብጎማ ተራ ናብ ኣምስተኛ ዝወስድ መገዲ ኣብ በርበሬ በረንዳ
  • ካብ መርካቶ ብራስ ቴኣትር ናብ ጎማ ቁጠባ ኣብ ተክለ ሃይማኖት ኣደባባይ

ካብ ዓርቢ 25 መስከረም 2016 ዓ.ም ቀትሪ ሰዓት 8፡00 ጀሚሩ እቲ ፕሮግራም ክሳብ ዝዛዘም ንተሽከርከርቲ  ዕፁው ክኸውን ኢዩ፡፡

ሕብረተሰብ ግልጋሎት ፖሊስ ንምርካብ ይኹን ዘጠራጥሩ ነገራት እንተጋጥሙ ሓበሬታ ንመሃብ ብ991 ወይ እውን ብናፃ መስመር ስልኪ 816 ን 011-1-26- 43-59 ፣ 011- 5- 52- 63-02/03 ፣ 011-542-40-77፣ 011-5-54-36-81 ከምኡ እውን ብናፃ መስመራት ስልኪ 987 ፣ 991ን 816ን ምጥቃም ከምዝከኣልን ስራሕቲ ፀፅታ ዕዉት ንኽኸውን ሕብረተሰብ እናሰርሖ ዝርከብ ሰናይ ምትሕብባር ምስጋና ዘቕረበ ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ እቲ በዓል ናይ ሰላምን ሓጎስን ንኽኸውን ሰናይ ትምኒቱ ገሊፁ፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment