ኣብ ከተማ ቀብሪ ደሓር ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ቀብሪ ደሓር ህዝባዊ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ፥ “ህብረ ብሄራዊ ሕውነት ንዘላቒ ሰላምን ኩለ መዳይ ምዕባለን” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ዝሳለጥ ዘሎ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ጋምቤላ ኡሞድ ኡጁሉ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ንግዲን ቀጣናዊ ምትእስሳርን ፍስሐ ይታገሱን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ ክልልን ፌዴራልን ተረኺቦም።

ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ÷ ክልል ሶማሌ ቅድሚ ለውጢ ኣብ ብዙሓት ዓውዲታት ልምዓት ተረባሒት ከምዘይነበረት ገሊፆም።

ድሕሪ ለውጢ ግን ኣብ ሰላም፣ ልምዓትን ሰናይ ምምሕዳርን ተረባሒት ከምዝኾነት ኣብሪሆም።

ኣብቲ ዝተጀመረ ጉዕዞ ለውጢ ብዙሓት ዓወታት እንተሃለዉ አውን ሐዚ እውምን ዘይተመለሱ ሕቶታት ህዝቢ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ሐዚ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ህዝባዊ ዘተ ካብ “ዕዳ ናብ ምንዳ” ንምስግጋር ኣብ ዘኽእል ህዝባዊን ሃገራዊን ጉዳያት ብምዝርራብ ናይ ሃገር ብልፅግና ንምቅልጣፍ ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ብመሳፍንት እያዩ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment