ኣብ ከተማ ሽረእንዳስላሰ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ጉጅለታት ሚኒስትር ሰላምን ኣባላት ሰብኣዊ ሓገዝን ገሊፆም

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብዚ ሕዚ እዋን ከተማ ሽረእንዳስላሰ ኣብ ሰላማዊ ምንቅስቓስ ከምዘሎ ኣብቲ ቦታ ዝርከቡ ጉጅለታት ሚኒስትር ሰላምን ኣባላት ሰብኣዊ ሓገዝን ገሊፆም።
ካብ ሞንጎ ተፀዋዕቲ ትካላት ሚኒስቴር ሰላም ሓደ ዝኾነ ትካል ኮሚሽን ምክልኻል ስግኣት ሓደጋ ሰራሕተኛታቱ ኣብ ግምባር ምዕራብ ብኣካል ተረኺቦም ሰብኣዊ ሓገዝ እናተሓባበሩ ይርከቡ።
ኣብ እዚ ሰሜን ሓላፊ ሎጂስቲክስ ግምባር ምዕራብ ጄነራል ብርሃኑ ጥላሁን፥ ምንቅስቓስ ከተማ ሽረ እንዳስላሰ ሰላማዊ ከምዝኾነን ሕብረተሰብ ብዘይስግኣት እናተንቀሳቐሰ ዕለታዊ ተግባሩ እናሳለጠ ከምዝርከብን ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ገሊፆም፡፡
ኣብ ከይዲ ወፍሪ ምኽባር ሕጊ ካብ መንበሪኦም ተመዛቢሎም ሓገዝ ዘድልዮም ወገናት እናተገበረ ዘርከብ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእ እውን ኣገንዚቦም፡፡
ጄነራል ብርሃኑ፥ ኲናት ኣየድሊን ኢሎም ንፀላኢ ብምሕፋር ኣብ ጎኒ ሰራዊት ምክልኻል ደው ንዝበለ ህዝቢ ትግራይ፣ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ህልውናን ኣብ ዝተኻየደሉ እዋን ንዝተገበረ ሓገዝን እናተገበረ ዝርከብ ልዑል ርብርብን ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡
ኣብቲ ከይዲ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት መበገሲኡ ኣዲስ ኣበባ ዝገበረ ዕለታዊ ሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ከተማ ሽረ እናኣተወ ይርከብ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
Comments (0)
Add Comment