ኣብ ከተማ ሻሸመኔ 200 ኪሎ ግራም ዝምዘን መዕወኒ ሓሽሽ ካናቢስ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 23 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ሻሸመኔ ትማሊ ምሸት ብዝተገበረ ዳህሳስ 200 ኪሎ ግራም ዝምዘን መዕወኒ ሓሽሽ ካናቢስ ምሓዙ መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

መተሓባበሪ ርክብ ህዝቢ እቲ መምርሒ ፖሊስ ኢንስፔክተር ታምራት ኣበበ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ፥ ኣብዚ ሰሙን ምስ ሕብረተሰብ ምትሕብባር ኣብታ ከተማ ዝረአዩ ዘይሕጋዊ ተግባራት ክትትል እናተገረበ ይርከብ፡፡

ኣብታ ከተማ ብዝተገበረ ዝተዋደደ ክትትል ድማ 200 ኪሎ ግራም ዝምዘን መዕወኒ ሓሽሽ ካናቢስ ከምዝሓዘ ተዛሪቦምም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ድማ እቲ መዕወኒ ሓሽሽ ንምምዛን ዘገልግሉ ሰለስተ ሚዛናት ሓዊሱ እቲ ገበን ብምፍጻም ዝተጠርጠሩ ሓሙሽተ ውልቀ ሰባት ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ጉዳዮም እናተፃረየ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ትማሊ ምሸት ዝተትሓዘ መዕወኒ ሓሽሽ ካናቢስ ተዓሺጉ ብሞያሌ ኣቢሉ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ክወፅእ ከምዝነበረ ተሓቢሩ፡፡

ብጌታቸው ሙለታ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment