ኣብ ከተማ ሻሸመኔ 122 ኩንታ መዕወኒ ሓሽሽ ከምዝተወገደ ፖሊስ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 2 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ፖሊስ ፌዴራል ኢትዮጵያ ምስ ፖሊስ ዞባ ምዕራብ ኣርሲን ካልኦት ኣካላት ፀፅታን ብምውዳድ 122 ኩንታል መዕወኒ ሓሽሽ ከምዘወገደ ገሊፁ።

ኣዛዚ ፖሊስ ወረዳ ሻሸመኔ ኮማንደር ሽመልስ ቀናው÷ ኣብታ ወረዳ መዕኒ ሓሽሽ ንምቁፅፃር ተኸታታሊ ትዕዝብቲ ፓትሮለልን ካብ ቤት ፍርዲ መበርበሪ ትእዛዝ ብምውፃእ ገዛ ንገዛ ብዝተበረ ሃንደበታዊ ብርበራን ፍተሸን እቲ መዕወኒ ሓሽሽን ተጠርጠርቲን ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ምውዓል ከምዝተኽኣለ ተዛሪቦም።

ካብ ካሊእ እዋን ብዝሐሸ መልክዑ ክትትልን ቁፅፅርን እናተገበረ ከምዝኾ እውን እቶም ኮማንደር ምግላፆም ካብ ፖሊስ ፌዴራል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com

Comments (0)
Add Comment