ኣብ ከተማ ሸራሮን ከባቢኣን ፀጋታት ማይ እቲ ከባቢ ብምጥቃም 51 ሄክታር መሬት ብመስኖ ይለምዕ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ጥሪ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ዞባ ሰሜናዊ ምዕራብ ትግራይ ከተማ ሸራሮን ከባቢኣን ከባቢ ዘለዉ ፀጋታት ማይ ብምጥቃም 51 ሄክታር መሬት ብመስኖ ይለምዕ ከምዘሎ ቤት ፅሕፈት ዘፈር ቁጠባዊ ልምዓት እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ምክትል ሓላፊ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ ክብሮም ፍስሃ ከምዝገለፁዎ÷ ብመስኖ ካብ ዝለምዐ መሬት እቲ 36 ሄክታር ብኣሕምልቲ፣ ዝተረፈ 15 ሄክታር ድማ ብቀወምቲ ተኽልታት ዝተሸፈነ እዩ።

ብፍላይ ብተለምዶ እንዳ ክሬሸር እናተብሃለ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ዝርከብ ማይ ብምጥቃም ዝተፈላለዩ ኣሕምልቲ ብኹታ ገጠም ይለምዑ ከምዘለዉ ኣይተ ክብሮም ገሊፆም።

ኣብ ወረዳ ታሕታይ ኣድያቦ ዝርከብ ግድብ ድጉብ ብምጥቃም ድማ ክሳብ ጣብያ ለምለም፤ ከባብታት መዳበን ገዛ መቐርን ዝተኣሳሰረ ስራሕቲ ልምዓት መስኖ ይሳለጥ ምህላዉ እቶም ምክትል ሓላፊ ኣብሪሆም።

ኣብቲ ከባቢ 125 ወገናት ኣብ ልምዓት መስኖ ተዋፊሮም ተረባሓይነቶም ንምድንፋዕ ሞያዊ ሓገዝ እናተገበረሎም ከምዝርከብ ገሊፆም።

Comments (0)
Add Comment