ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ነሓሰ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ዓፋር ከተማ ሰመራ ውሕጅ ብዘስዐቦ ሓደጋ ህይት ሰለስተ ሰባት ምሕላፉ ፖሊስ ኣፍሊጡ።
ኣዛዚ መምርሒ ፖሊስ እታ ከተማ ኮማንደር ቢልኢ ኣሕመድ ከምዝገለፁዎ፥ እቲ ሓደጋ ትማሊ ምሸት ሰዓት 10 ጀሚሩ ሩባ ሎጊያ ካብ ዓቐን ንላዕሊ መሊኡ ነቲ ከባቢ ብምዕልቕላቕ ዘጋጠመ ኢዩ።
ኣብ ካሊእ ከባቢ ዝወቕዐ ዝናብ ውሕጅ ሒዙዎ ዝመፅእ ማይ እናወሰኸ ብምምፅኡ እቲ ግድብ ተሳጊሩ ናብ ጂቡቲ ዝወስድ መገዲ ኣስፋልት ኣቋሪፁ እናፈሰሰ ከምዝሓደረ እውን ተዛሪቦም።
ነዚ ስዒቡ ኣብቲ መገዲ ዘዕለቕለቐ ውሕጅ ብእግሮም ንምቁራፅ ዝፈተኑ ሰለስተ ሰባት ህይቶም ከምዝሓለፈ እቶም ኮማንደር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ካልኦት ሰባት በቲ ውሕጅ ተወሲዶም ኢዮም ዝብል ጥርጣረ ስለዘሎ ሓይሊታት ፀፅታን ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋን ስራሕቲ ምትእልላሽ እናሳለጡ ከምዝርከቡ ኣብሪሆም።