ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብ ከተማ ማይጨው ቀበሌ 03 ዘጋጠመ ሃንደበታዊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ከቢድ ዕንወት ኣብፂሑ።
እቲ ባርዕ፥ ናብ ሎሚ ኣብ ዘውግሕ ለይቲ ከባቢ ሰዓት 8:00 ኢዩ ኣጋጢሙ።
ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ኣብ መደብርን መሸጠን ዝነበሩ ናውቲ ኤለክትሮኒከስ፣ ናውቲ ገዛን ካልኦትን ከምዝዓነዉ ተገሊፁ።
እዋኑ ለይቲ ብምንባሩ ስዒቡ ቀልጢፍካ ምቁፅፃር ከምዘይተኸኣለ ዝገለፀ እንትኸውን፥ መንአሰይ እታ ከተማ ብዝገበርዎ ርብርብ ሐዚ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተሓቢሩ።