ኣብ ከተማ መቐለ 25 ሺሕ ንዝኾኑ ኣባይቲ ኣገልግሎት ዝህብ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጉንበት 26፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ሓደሽቲ መንደራት ዝርከቡ ልዕሊ 25 ሺሕ ኣባይቲ ኣገልግሎት ዝህብ ሓዱሽ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ እናተሳለጠ ምዃኑ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ቤት ፅሕፈት ክልል ትግራይ ገሊፁ፡፡

የኤሌክትሪክ መስመር ዝርጋታ ፕሮጀክቱ በ405 ሚሊየን ብር ወጪ እየተከናወነ መሆኑ ታውቋል፡፡

ዋና ፈፃሚ ስራሕ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣይተ መስፍን ገብረመድህን፥ እቲ ዝርገሐ መስመር ኤሌክትሪክ ኣብ 19 ሓደሽቲ መንደራት ከተማ መቐለ ዝካየድ ኢዩ።

ኣብ ወርሒ ሰነ ክዛዘም ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ እቲ ፕሮጀክት፥ ካብ 25 ሺሕ ዝበልፁ መራሕቲ ስድራ ተረባሕቲ ከምዝገብር ምግላፆም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ኣብ ዝቕፅል በጀት ዓመት ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ 320 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ ዝርገሐን ፅገናን መስመር ኤሌክትሪክን ህንፀት ሓዱሽ ፕሮጀክታትን ንምክያድ ዝውዕል ልዕሊ ብር 180 ሚሊየን ሕቶ በጀት ናብ ፌዴራል ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ከምዝቐረበ ተዛሪቦም።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment