ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክምለስ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታሕሳስ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከምዝምለስ ኣብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ሓይሊ ሪጅን ሰሜን ኣፍሊጡ።
ብፅንፈኛ ጉጅለ ህወሓት ብከበድቲ መሳርሒታት ዝተወቕዑ ዓበይቲ መስመራት መተሓላለፍቲ ሓይሊ ፅገና ብምግባር ዝተፈላለያ ከተማታት ዳግም ሓይሊ ኤሌክትሪክ እናረኸባ ይርከባ።
እቲ ጉጅለ ካብ ኣላማጣ ናብ መቐለ ካብ ዝተዘርገሐ 141 ኪሎ ሜትሮ ንውሓት ዘለዎ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መስመር እቲ 25 ሚኢታዊ ጉድኣት ኣብፂሑሉ ኢዩ።
ሓላፊ ፅገናን ትራንስፎርሜሽንን እቲ ሪጅን ኣይተ ሙሉጌታ ኣየልኝ ከምዝገለፁዎ፥ ካብ ኩለን ሪጅናት ዝተውፃእፅኡ 120 ሰብሞያታት ፅገና ዝርገሐ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ዳግም ንምጅማር ርብርብ እናገበረ ይርከብ።
ብመሰረት እዚ ካብ 60 ክሳብ 70 ሚኢታዊ ጉድኣት ዝበፅሖም መስመራት ከምዝተፀገኑ ኣብሪሆም።
ነዚ ስዒቡ ድማ ኮሮምን ማይጨውን ሓዊሱ ኣብ መብዛሕተኦም ከባቢታት ዞባ ደቡብ ትግራይ ዝርገሐ ሓሊ ኤሌክትሪክ ከምዝተመለሰለን ገሊፆም።
ከተማ መቐለን ከባቢኣን እውን ኣብ ሓፂር እዋን ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክትረክብ ኢያ ኢሎም።
ብፋሲካው ታደሰ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment