ኣብ ከተማ መቐለ ትምህርቲ 1 ለካቲት 2013 ዓ.ም ክጅነር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ጥሪ፣ 2013(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ትግራ ብምኽንያት ዝተኻየደ ወፍሪ ምኽባር ሕጊን ቫይረስኮሮናን ኣብ መቐለ ከተማ ተቛሪፁ ዝነበረ ትምህርቲ 1 ለካቲት 2013 ዓ.ም ከምዝጅመር ከንቲባ ግዚያዊ ምምሕዳር እታ ከተማ ኣይተ ኣታኽልቲ ሃይለስላሰ ኣፍሊጦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ሰላም ፀፅታን እታ ከተማ ዝተረጋግአ ስለዝኾነን ስጉምቲታት ጥንቃቐ ቫይረስ ኮሮና ብምውሳድን፥ ኣብ ኩሉ ብርኪ ዘለዉ ክፋላት ትምህርቲ ካብ 1 ለካቲት 2013 ዓ.ም ጀሚሩ ክወሃብ ኢዩ ኢሎም።

ወለዲ ካብቲ ዝተፀርሐ መዓልቲ ጀሚሮም ንደቆም ናብ ቤት ትምህርቲ ንኽልእኹ እውን እቶመ ከንቲባ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ከተማ መቐለ ዝርከባ ግልጋሎት ወሃብቲ ትካላት መንግስቲ ስሩዕ ስረሐን እናሰርሓ ከምዝኾና ኣይተ ኣታኽልቲ ገሊፆም ክብል ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment