ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ) ፀገም ምውጋድ ረሳሕ ፈሳሲ ከተማ መቐለ ንምቕራፍ ዘኽእል ፕሮጀክት መጠራቐምን መፃረዪን ረሳሕ ፈሳሲ ከም ዝህነፅ ተገሊፁ።
እቲ ፕሮጀክት፥ ካብ ባንኪ ዓለም ብዝተረኸበ 10 ሚሊየን ዶላር ከምዝህነፅ ሚኒስቴሪ ማይን ኢነርጅን ፌዴሪኢ ምስ መዳርግቲ ኣካላት ብዛዕባ እቲ ፕሮጀክት ሎሚ ኣብዘሳለጥዎ መድረኽ ዘተ ተሓቢሩ።
ተወካሊ ሚኒስቴር ማይን ኢነርጅን ኣይተ ባለው ይበል፥ ብብርኪ ሃገር ፕሮጀክት መጠራቐምን መፃረዪን ረሳሕ ፈሳሲ ክስረሐለን ካብ ዝተሓረያ 23 ከተማታት መቐለ ሓንቲ ኢያ ኢሎም።
ኣብ ዝተታሕዘሉ ግዜ ንክዛዘም ሚኒስትሪ ማይን ኢነርጅን ኣድላዪ ደገፍን ክትትልን ከም ዝገብር ኣብሪሆም።
ኣብ 10 ሄክታር መሬት ዝዓርፍ እንትኸውን፥ ህንፀቱ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመታት ብምዝዛም ንኣገልግሎት ከም ዝበቅዕ ኣተሓባባሪ እቲ ፕሮጀክት ኣይተ ተወልደ ይደግ ተዛሪቦም።
ምስ ነበርቲ ክፋላት ማሕበረሰብ እቲ ከባቢ ሰፊሕ ምይይጥ ከም ዝተገብረን ንመሬቶም እኹል ካሕሳ ከም ዝወሃቦምን እውን ሓቢሮም።