ኣብ ከተማ መቐለ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ተጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣28 ግንቦት፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማ መቐለ ስሩዕ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ሎሚ መዓልቲ ከምዝተጀመረ ቤት ፅሕፈት ትምህርቲ እታ ከተማ ኣፍሊጡ።

ተወካት እቲ በሀት ፅሕፈት ወይዘሪት ገነት መብራህቱ ከምዝገለፀኦ፥ እቲ ከይዲ ምምሃር ምስትምሃር ኣብ 32 መንግስታዊን 30 ዘይመንግስታዊን ብድምር 62 ኣቢያተ ትምህርቲ ኢዩ ተጀሚሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብሰንኪ ዓለም ለኻዊ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ሎሚ ዓመት ድማ ኣብ ትግራይ ብምኽኒያት ዝተፈጠረ ፖሎቲካውን ፀጥታውን ዘይምርግጋዕ ተምሃሮ ትግራይ ካብ መኣዲ ትምህርቲ ርሒቖም ኣብ ከቢድ ስነልቦናውን ማሕበራውን ቅልውላው ከምዝርከቡ ይፍለጥ።

ነዚ መሰረት ብምግባር ምስ ወለዲ፣ መምህራንን በቢብርኩ ምስ ዘለዉ ኣማራርሓ መንግስቲን ብዝተገበረ ምርድዳእ እቲ ምምሃር ምስትምሃር ከምዝተጀመረ ገሊፀን።

ፀገም ሕፅረት ናውቲ ትምህርቲ ንዘለዎም ተምሃሮ ሓገዝ ይግበር ከምዘሎ ብምሕባር፥ ጉድኣት ዝበፅሐን ኣቢያተ ትምህርቲ ድማ ስራሕቲ ፅገናን ምምላእ ናውቲን ከምዝተገበረ ኣፍሊጠን።

ኣብ ሸውዓቲኤን ክፍለ ከተማታት መቐለ  ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝጀመረ ከይዲ ምምሃር ምሰትምሃር ኩሎም መምህራን ከምዝተረኸቡ ተዛሪበን ክብል ግዜኢ ፀብፂቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5…

ይግበሩ/ራ!

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment