ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዝተኸበረ በዓል መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብሰላም ተዛዚሙ – ቢሮ ፀፅታን ሰላምን እቲ ክልል

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብኣሰናዳእነት ክልል ሲዳማ ሎሚ መዓልቲ ዝተኸበረ መበል 17 ኣብ በዓል መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ብሰላም ከምዝተዛዘመ ቢሮ ፀፅታን ሰላምን እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

ውዳበ ፀፅታ ፌዴራልን ክልልን ምስ መናእሰይ እቲ ከባቢን ዘተፈላለዩ ክፋላት ማሕበረሰብን ዘሳተፈ ዝተዋደደ ስራሕቲ ፀፅታ እናሳለጠ ምፅንሑ ሓላፊ እቲ ቢሮ ኣይተ ኣለማየሁ ጢሞቲዮስ ንግዜኢ ገሊፆም።

ብምዃኑ ከይዲ እቲ በዓል ብዘይ ዝኾነ ይኹን ፀገም ፀፅታ ተኸቢሩ ከምዝዛዘመ ኣፍሊጦም።

እቲ በዓል ብሰላም ተኸቢሩ ንኽዛዘም ኣስተዋፅኦ ንዘበርከቱ ኣካላት ፀፅታን ካልኦት ክፋላት ሕብረተሰብን ምስጋና ኣቕሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment