ኣብ ከተማ ሃዋሳ ብልምዲ ቤተሰብ መምሪያ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ለካቲት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ክፍለ ከተማ ማእኸል ከተማ ቀበሌ ኣዲስ ኣበባ ብልምዲ ቤተሰብ መምሪያ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ኣብ ልዕሊ ንብረት ጉድኣት ምብፅሑ ተገሊፁ።

ኣዛዚ ፖሊስ ከተማ ሃዋሳ ኮማንደር ደረሰ ቡሳሮ፥ መበገሲን በቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዘጋጠመ ዕንወት ንብረትን ኣብ ከይዲ ምርመራ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

እቶም ኣዛዚ ከምዝበሉዎ፥ እቲ ሓደጋ ሕብረተሰብ እቲ ከባቢ ብዝገበሮ ርብርብ፣ ብሓገዝ መከላኸሊ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ፓርክ ኢንዱስትሪ ሃዋሳ ከምኡ እውን ብርብርብ ሓይሊታት ፀፅታን ናብ ካሊእ ከባቢ እንተይተስፋሕፈሐ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ካብ ከተማ ምምሕዳር ከተማ ሃዋሳ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment