ኣብ ከተማታት ዝረአ ሰፊሕ ስእነት ዕድል ስራሕ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ስትራቴጂያዊ ትልሚ ተሰናዲኡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማታት ዝረአ ሰፊሕ ስእነት ዕድል ስራሕ ንምፍታሕ ዝሕግዝ ስትራቴጂያዊ ትልሚ ከምዝተዳለወ ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣፍሊጡ።

ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓማውቲ ክትግበር ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ኣካል መሪሕ ትልሚ ልምዓት ከተማ ዝኾነ እቲ ስትራቴጂ፥ ኣብ ከተማታት ዘሎ ዓቕሚ ዕድል ስራሕ ብመፅናዕቲ ከምዝተፈለየ ተገሊፁ።

ምስ ፋና ብሮካስቲንግ ኮርፓሬት ፃንሒት ዝገበሩ ላዕለዋይ በዓል ሞያ እቲ ስትራቴጂያዊ ትልሚን ኣማኻሪ ሚኒስትር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣይተ ተስፋዬ ወልደሚካኤል፥ ኣብ ሕርሻ ከተማ፣ ኣብምፍራይ ቱሪዝምን ዓውዲታት ልዑል ዕድል ስራሕ ንምፍጣር ዘኽእል መፅናዕቲ ከምዝተኻየደ ገሊፆም።

እቲ ትልሚ፥ ከተማታት ኢትዮጵያ ኣብ ኣውዲታት ግልጋሎት፣ ኢንፎርሜሽን ኮሙኒኬሽንን ፈጠራ ቴክኖሎጂን ኣድሂበን ሰፊሕ ዕድል ስራሕ ንኽፈጥራ ከምዘኽእለን እውን ኣብሆም።

ሚኒስትር ዲኤታ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ኣይተ መስፍን ኣሰፋ ብግደኦም፥ ኣብ ክእለት ፈጠራ ስራሕ ዕድል ኣድሂበን ስልጠና ዝህባ ማእኸላት ንምህናፅ ከምዝስራሕ ገሊፆም።

ፀገም ቀረብ ፋይናንስ ንምፍታሕ ዘኽእል ሃገር ለኸ ፈንድ ፈጠራ ዕድል ስራሕ ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝጣየሽ እውን ኣፍሊጦም።

Comments (0)
Add Comment