ኣብ ከተማታት ዘሎ ፀገም ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ትኹረት ክወሃቦ ይግባእ – ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ከተማታት መበገሲ ስእነት ሰላም ዝኾኑ ፀገማት ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ንምፍታሕ ትኹረት ክግበረሎም ክምዝግባእ ፕሬዚዳንት ፌዴሪኢ ሳህለወርቅ ዘውዴ ገሊፀን።

ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ እዚ ዝበላ፥ ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ፎረም ሰላም ከተማታት ኢዩ።

ምጉዳል ፍትሒን ተሓታትነትን ከምኡ እውን ስእነት ስራሕን ኣብ ከተማታት ዝረኣዩ ቀንዲ ቀንዲ ፀገማት ስእነት ሰናይ ምምሕዳር ከምዝኾኑ እውን ኣብሪሀን።

እቶም ፀገማት ንምፍታሕ ምስ ህዝቢ ብግልፂ ምዝታይ ከምዝግባእ እተን ፕሬዚዳንት ኣገንዚበን።

ሰላም ከተማታት ንዘላቒ ሰላም እዛ ሃገር ዘለዎ ኣስተዋፅኦ ዝዓዘዘ ስለዝኾነ፥ ብፖሊሲ ዝተሓገዘ ክኸውን ይግባእ እውን ኢለን።

ሚኒስቴር ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ዘዳለዎን “ሰላም ንከተማታት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ እናተሳለጠ ኣብ ዝርከብ ፎረም ሰላም፥ ሚኒስትራት፣ ሓለፍቲ ቢሮ ልምዓት ከተማን ኮንስትራክሽንን ክልላት ከምኡ እውን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ይሳተፉ ኣለዉ።

ኣብቲ ፎሮም፥ “ሰላም ከተማታት ኣብ ምዕባለ ኢኮኖሚ ሃገር ዘለዎ ኣስተዋፅኦ” ብዝብል ርእሲ ሰነድ ቀሪቡ ዘተ እናተገበረሉ ከምዝርከብ ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment