ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ውቕሮን ኣገልግሎት ኤሌክልትሪክ ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታህሳስ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ዓዲግራትን ውቕሮን ኣገልግሎት ኤሌክልትሪክ ከምዝጀመረ ተገሊፁ።

ኣገልግሎት ኤሌክልትሪክ ኢትዮጵያ ከምዝበሎ፥ ኣብ ክልል ትግራይ ኣጋጢሙ ብዝነበረ ፀገም ፅታ ዓኒዮም ዝነበሩ መሰረተ ልምዓታት ኤሌክትሪክ ምስ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ብምውዳድ ብዝተሰርሐ ስራሕ ኣብ ክልቲአን ከተማታት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ካብ ትማሊ ኣትሒዙ ጀሚሩ ኣሎ።

ሰብ ሞያ ቴክኒክ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ትግራይ ጉድኣት ዝበፅሖም ታሕተዎትም ማእኸለዎትን መተሓላለፍቲ መስመር ኤሌክትሪክ ብዝገበርዎ ስራሕቲ ፅገናን ዳግም ህንፀትን ከምኡውን

ሰብ ሞያ ቴክኒክ ኣገልግሎት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኣብ ላዕለዋይ መስመር መተሓላለፊ ኤሌክትሪክ ብመሰረት ዝገበርዎ ስራሕቲ ፅገናን ዳግም ህንፀትን እቲ ኣቕርቦት ኤሌክትሪክ ምሃብ ከምዝተጀመረ ተገሊፁ።

ኣብ ከተማታት ኣኽሱም፣ ሽረን ዓድዋን ዝተቛረፀ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንምምላስ ክልቲኦም ትካላት ብምውዳድ ይሰርሑ ከምዘለዉ እውን ተሓቢሩ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል  FBC Tigrigna ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

 

 

 

Comments (0)
Add Comment