ኣብ ከባቢ ጠረፍ ደቡብ ሱዳን ብዝተወለዐ ሕድሕዳዊ ጎንፂ ልዕሊ 9 ሺሕን 500 ዜጋታት ተመዛቢሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከባቢ ጠረፍ ክልል ጋምቤላን ደቡብ ሱዳንን ብዝተወለዐ ሕድሕዳዊ ጎንፂ ልዕሊ 9 ሺሕን 500 ነበርቲ ወረዳ ጂካዎን ላሬን ከምዝተመዛበሉ መንግስቲ እቲ ክልል ኣፍሊጡ።

መንግስቲ እቲ ክልል ከምዝሓሮ፥ በቲ ጎንፂ ህይወት ሓደ ሰብ እንትሓልፍ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ጉድኣት ከምዝበፅሐን ዕጡቓት ሰንደቕ ዕላማታት ኢትዮጵያን እቲ ክልልን ከምኡ እውን ካልኦት ናውቲታት ዘሪፎም ከይዶም ኢዮም።

ዝተመዛበሉ ኣብ ዞባ ኑዌር ወረዳታት ላሬን ጂካዎን ዝርከባ ኣርባዕተ ቀበሌታት ዝነብሩ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያት ኣይተ ኡገቱ ኣዲንግ፥ ኣብ ደቡብ ሴዳን ኣብ ሞንጎ ወታደራት ኤስ ፒ ኤል ኤም-ኤልኦን መንግስቲ ሱዳንን ጎንፂ ከምዘጋጠመ ተዛሪቦም፡፡

ክልል ጋምቤላን ደቡብ ሱዳንን ሰፊሕ ዶብ ዝዋሰና ብምዃነን ኣብ ከባቢ ጠረፍ ብዝተፈጠረ ጎንፂ ዶብ ሰጊሮም ዝኣተዉ ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰብን ንብረትን ጉድኣት ከምዘብፅሑ ተገሊፁ።

ብምኽንያት እቲ ዝተፈጠረ ጎንፂ ልዕሊ 9 ሺሕን 500 ነበርቲ ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉ ኣይ ኡገቱ ምግላፆም ካብ ፕሬስ ሴክሬታሪያት እቲ ክልል ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment