ኣብ ከባቢ ኣደባባይ ኣያት ኣብ ልዕሊ ሹቓት ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ ናብ ካልኦት እንተይተስፋሕፈሐ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ትማሊ ምሸት 3፡30 ኣብ ከባቢ ኣደባባይ ኣያት ኣብ ልዕሊ ሹቓት ዝተልዓለ ባርዕ ሓዊ ናብ ካልኦት እንተይተስፋሕፈሐ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ።

ኣብ ሹቓት ዝተልዓለ እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፥ ብዝተገበረ ቅልጡፍን ልዑልን ርብርብ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተየብፀሐ ምቁፅፃር ተኻኢሉ ዘሎ።

እቲ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ናብ ካልኦት ሹቓት ከይዛመት ሰራሕተኛታት ምክልኻል ሓደጋን ባርዕ ሓዊን፣ ማሕበረሰብ እቲ ከባቢን ኣካላት ፀፅታን ንዝገበሩዎ ርብርብ፤ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣመስጊኑ።

ሕብረተሰብ ተመሳሳሊ ፀገማት ከይለዓሉ ጥንቃቐ ብምግባር ከባቢኡ ክሕሉ ከምዝግባእ እውን እቲ ምምሕዳር ፃውዒት ምቕራቡ ካብ ቤት ፅሕፈት ፕሬስ ሴክሬታሪያ እቲ ከተማ ምምሕዳር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment